top of page

On the past and present of being an Eritrean in Diaspora (2)

ኣብ ፈለማ ስሳታት፡ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ንናጽነት ዝተጎሃሃረሉ እዋን እዩ ነይሩ።

"ናጽነት ይግበኣና እዩ - ግህሰትን ጎበጣን ኣይንቕበልን" ዝበሉ ሃገራውያን "ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን" ብዝብል ጭርሖ ኣብ ፈቐድኡ ዝህደንሉን ዜጋታት ብውዕውዕ ሃገራዊ ስምዒት ናብ ቃልሲ ሓርነት ዝጽንበሩሉን እዋን እውን እዩ ነይሩ።

ስርዓት ደርግ ንንጉስ ሃይለስላሰ ዓልዩ ስልጣን ምስተቖጻጸረ፡ "ሁሉም ነገር ወደ ሰሜን ጦር ግንባር" ብዝብል ወፍሪ፡ አእላፍ ሰራዊት ደርግ " እምቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጉርሰው!" እናበሉ ምስ ሓጸልጸል ዝብል ሓጻውኖም ንሰሜን ፈሲሶም።

ኣብቲ እዋን'ቲ እዮም ከኣ ስድራ-ቤት ሰናይ፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ስግኣትን ዓፈናን ካብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ማእሰርቲ ሃዲሞም ንኤርትራ ኣትዮም። እንተኾነ ኣብ መላእ ኤርትራ ሞትን ቅትለትን ስለዝነበረ ኣብ ኤርትራ እውን ኣይቀሰኑን።

ስለዝኾነ እታ ስድራ ሰለስተ ደቃ ሒዛ ፈለማ ንካርቱም ሱዳን ካብኡ ናብ ኤውሮጳ ኢጣልያ፡ ብድሕሪኡ ድማ ንሆላንድ ኣትያ። ሰናይ ከኣ ገና ወዲ ሽዱሽተ ዓመት እንከሎ ምስ ክልተ ናእሽቱ አሕዋቱ ንሆላንድ ኣትዩ ምስ ሕብረተሰብ ዳች ዓብዩን ተማሂሩን።

ናይ ምስሊ መግለጺናብ ሱዳን ክወጽእ እንከለዉ፡ ተጋዳላይ ህግሓኤ ንሰናይ ሓንጊሩዎ እንትጓዓዝ

ንሆላንድ ምስ ስድርኡ ምስ ኣተወ" ንፈለማ እዋን 'የቐንየለይ' እትብል ቃል ከምዘጽንዐ ዝዝክር ፕሮፌሰር ሰናይ፡ ማሕበረሰብ ዳች፡ ንቖልዑን ኣኻልብን ዝገብሩሎም ክንክንን ኣዚዩ ከምዝገረሞን ክሳብ ሕጂ ኣብ ሕልንኡ ተቐሪጹ ከምዝተረፈን ይገልጽ።

ኣብ ኣስመራ፡ ኣኻልብ፡ ካንሸሎታት ክሕልው ኣብ ግዳም ዝሓድሩ ኣገልገልቲ ደቂ ሰባት ምዃኖም እምበር፡ ከም ቖልዑ ክሕቆፉን ክሕንቅቑን ከምዝኽእልኡ ሓሊሙዎ ከምዘይፈልጥ ይዛረብ። ኣብ ሆላንድ ንኣኽላባት ልክዕ ከም ውላዶም እዮም ዝሕብሕቡዎም - እቲ ንእንስሳታት ዘለዎም ፍቕርን ኣኽብሮን ከኣ ክሳብ ሕጂ ከምዝገርሞ ይገልጽ።

'ምቁር እዋን ንእስነት'

ነብሲ ወከፍ ወላዲ፡ ውሉዱ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ቀሲሞም፡ ሓካይም ወይ ሳይንቲስት ኮይኖም ንነብሶምን ስደረኦምን ካብኡ ሓሊፎም ከኣ ንሃገሮም ዘገልገሉ ብደረጃ ዓለም እውን ዝስመዩ ክኾኑሎም እዮም ዝምነዩ። ስለዝኾነ ነብሲ ወከፍ ቖልዓ "ምስ ዓበኻ እንታይ ክትከውን ኢኻ?" ተባሂሉ ይሕተት እዩ።

ናይ ምስሊ መግለጺሰናይ ምስ ሓፍቱ

ሰናይ ሓኪም ናይ ምዃን ዝምባለ እኳ እንተነበሮ፡ ኣብ 1991 ንዩኒቨርስቲ ምጽንባሩ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣቡኡ ኮምፒዩተር ይዕድግሞ፡ ሰናይ ብኡ ተመሲጡ ኮምፒዩተር ሳይንስ የጽንዕ። ዳሕራይ ግን ነቲ ዓውዲ ንበይኑ ክሕዞ ስለዘይደለየ ኣርተፊሻል ኢንተልጀንስ ዝብል ስነ-ሕክምና ወሲኹሉ። ብጥምረት ክልቲኡ ሞያ ናይ ሊቅነት (PHD) መዓርግ ረኺቡ'ዩ ዝምህርን ዝመራመርን ዘሎ።

ሰናይ ኣብ ቁልዕነቱ፡ ኣብ ትምህርቲ ንዘሕለፎ ግዜ እዩ ከም ፍሉይ እዋን ዝቖጽሮ። ብዙሓት ስድራ-ቤታት ደቆም ኣብ ትምህርቲ ክነፍዑሎም፡ ኣጽንዑ እናበሉ ይጭቕጭቑዎም እዮም። ሰናይ ግን ናጽነት ከምዝነብሮ እዩ ዝዛረብ። "ወለደይ ኣባይ እምነት ነይሩዎም። ዝደለኹዎ ነገር ካብ ምግባር ኣይክልክሉንን እዮም ነይሮም። ኣነ ኸኣ ኣየግዳዕኩዎምን" ይብል።

እቲ ሰናይ ንሆላንድ ዝኣተወሉ መፋርቕ ሰብዓታት፡ ሓደ ቖልዓ መታን ንቋንቋ ሆላንድ ቀልጢፉ ክመልኮ ተባሂሉ፡ ንሓደ ተመሃራይ ሓደ መምህር ይምድብሉ ምንባሮም ብምዝካር፡ ሎሚ ግን ብሰንኪ ዋሕዚ ስደተኛታት ከም ቀደም ከምዘይኮነ ይዛረብ።

"ኣብ ሮማ ትነብር እንተኼንካ ንሮማውያን ምሰል" ዝብል ጸኒሕ ብሂል፡ ዝኾነ ካብ ሃገሩ ዝተሰደ ሰብ ንባህልን ኣነባብራን ናይቲ ሕብረተሰብ ተረዲኡ ንዕኡ መሲሉ ክነብር ከምዘለዎ ዝመክር ብሂል እዩ።

ን25 ዓመታት ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣምስተርዳም ዝመሃረ ፕሮፌሰር ሰናይ፡ ናብራ ምዕራብ ዓለም መብዛሕቱ ውልቃውነት ዝዓብለሎ ብምዃኑ፡ ምሒር ማሕበራውን፡ ማዕሪኡ ከኣ ንጹል ናብራ ምንባርን ተዛማዲ ረብሓን ጉድኣትን ከምዘለዎ የረድእ።

ዝኾነ ስደተኛ፡ ኣብ ስደቱ ናይ ቋንቋን ባህልን ጸገም፡ ከምኡ እውን ዓሌታዊ ኣድልዎን ኣግልሎን እውን ከጋጥሞ ይኽእል እዩ።

ኣብ ኩሉ ሕብረተሰብ ዘጋጥምን ከጋጥም እትጽበዮን ነገር ከኣ እዩ። እቲ ክኸውን ዘለዎ ከመይ ገይርካ ነቲ ቋንቋን ባህልን ትለምዶ? ብኸመይ'ከ ነቲ ዘጋጥም ኣግልሎ ትገጥሞ እዩ። ነብሲ ወከፍ ሰብ ከኣ ነቲ ክውንነት ተረዲኡ ዓቕሙም ኣረዳድኣኡን ከመሓይሽ ከምዝግባእ ሰናይ ይመክር።

ወለዱ፡ ኣብ ናይ ጸዓዱ ዓለም ዝነብር ዝኾነ ስደተኛ ኣድልዎን ኣግልሎን ክገጥሞ ስለዝኽእል ርእሱ ከየድነነ ብነብሰ ምትእምማን ክገጥሞን ዓቕሙ ብምዕባይ ክስዕሮ ከምዝግባእ ይመኽሩዎ ምንባሮም ይሕብር።

ዓቕሚ ኤርትራውያን ኣብ ትምህርቲ

ድሕሪ 2004 ብማህደረ ትምህርቲ ንሆላንድ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ተመሃሮ፡ ደረጃ ብቕዓቶም ብምንካዩ፡ ዩኒቨርሲታት ሆላንድ ነቲ ደረጃ ኣትሒቶሙዎ።

ሰናይ መምዘኒ ረጃ ብቕዓት ኤርትራውያን ተመሃሮ ስለዘጉደለ ከምዘሕዝኖ ይዛረብ። ቅድሚኡ ዝመጽኡ ዝነበሩ ተማሃሮ ግን፡ ነቲ ኣብ ሆላንድ ዝወሃቦም ዝነበረ ትምህርቲ ብቐሊሉ ይገጥሙዎ ምንባሮም ዝዝክር ሰናይ፡ ኣብ ስደት መጺእካ፡ ቀስ ኢልካ ሓዲሽ ህይወት ክጅመር ስለዝከኣል እዩ።

ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ምኽንያት ስደቶም ብዘየገድስ፡ ንኹሉ ብደሆታት ስደት ተጻዊሮም ብትምህርትን ፍልጠትን ዓቕሞም ከዕብዩ ተላብዩ።

ብዙሓት ኣብ ስደት ተወሊዶም ዝዓበዩ መንእሰያት ኣብ ትምህርቶም ደሓን ዝኸዱ ኣለዉ። ብስታቲክስ ክረአ እንከሎ ግን ከምቲ ክኸውን ዝግበኦ ኣይኮነን።

ብዙሓት ስድራቤታት ደቆም ዩኒቨርሰቲ እንተወዲኦም ከም ዓወት እዮም ዝርእዩዎ። እቲ ብደሆ ግን ዩኒቨርስቲ ምስ ወዳእካ እዩ ዝመጽእ። ዘተኣማምን ውሑስ ስራሕ ክትረክብ ወይ ንዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ክትቅጽል ሓሳብ ዝሓድረካ ሽዑ እዩ።

ናይ ምስሊ መግለጺሰናይ ምስ ስድርኡ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሓት ስደተኛታት ንሆላንድ ስለዝኣተዉ፡ መንግስቲ ሆላንድ ሻቕሎት ኣለዎ። እቶም ባሕርን ጣሕርን ሰጊሮም ብጻሓይን ቀላይን ተፈቲኖም ኣብ ስደት ምስዓለቡ፡ ወረቐት ፍቓድ ንምርካብ ብዙሕ እዮም ዝጨናነቑ።

ምስ ሓዲሽ ባህልን ኣነባብራን ስለዝራጸሙ ከአ ብዙሓት መንእሰያት ጸቕጢ የጋጥሞም፡ ኣብ ጭንቀት ዝወድቁ እውን ኣይተሳእኑን።

ምልሶት ንኤርትራ

ሰናይ ድሕሪ ናጽነት ኣብ 1993 ንኤርትራ ተመሊሱ ነይሩ። ኤርትራ ግን ከመይ ጸኒሓቶ?

ሓደ መዓልቲ ንዓድና ክንምለስ ኢና እናተባህሉ ስለዝዓበዩ፡ ሰናይ፡ ሓኪም ኮይኑ ንኤርትራውያን ከገልግል እዩ ነይሩ ሕልሙ።

እተን ቐደም ዝመጽአ ኩሉ ምሉኡ ቀልቡን ሃሙን ናብ ሃገሩ እዩ ነይሩ። ሰናይ ኮነ መሳትኡ ኤርትራውያውን ከኣ "ሰራዊት ፍልጠት" ኢኹም እናተባህሉ ስለዝዓበዩ፡ ተማሂሮም ንሃገሮም ከገልግሉ ብምሕሳብ፡ እቲ ኩሉ ዝወሰዱዎ ዓውደ ትምህርቲ ብምሉኡ ንኤርትራ ዝጠመተ እዩ ነይሩ።

ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ነዊሕ ዓመታት ብዙሕ ብደሆ እያ ሓሊፋ። ሕጂ ዝጀመረ ዕርቀ ሰላም ኣብ ኤርትራ ዘላቒ ሰላምን ራህዋን ክፈጥር ከኣ ትጸቢት ኩሉ ደላይ ጽቡቕ እዩ።

ሰናይ እውን በቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋሁው ትስፉው እዩ። ስለዝኾነ ነብሲ ወከፍ ሰብ ንነብሱ ከማዕብል እንተጺዒሩ ብተዘዋዋሪ ንሕብረተሰቡን ሃገሩን እውን ስለዝኾነ ኣብ ትምህርቲ ክደፍእ ይመክር።

ከይሓተትካ ስለዘይትፈልጥ ከይጸዓርካ ስለዘይትዕወት ኤርትራውያን አሕዋት ከኣ በዚ ክውንነት እዚ ክሓስቡ የዘኻኽር።

Recent Posts
bottom of page